Tigrinya   /     ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (16 ጥሪ 2025)

Description

ንሎሚ ሓሙስ 16 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ መቐለ ዝቐነየ ሰልፊ ተመዛበልቲ ቀዳማይ ምዕራፉ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቻይና ከምትድግፎ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸን ሃይ ከም ዝተዛረበ ተሓቢሩ። ኣብ ካናዳ፣ ብሰንኪ ናዕቢ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም። ኣብ ኣውስትራሊያ 26 ጥሪ ሃገራዊ መዓልቲ እዩ ፤ እታ ዕለት ግን ኣሰሓሓቢት እያ ። ብዙሓት ናብ ኣውስትራሊያ ሓደሽቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ነታ ሓድሽ ዓዶም ኣብዚ ዕለት ከብዕልዋ ይደልዩ እዮም ፡ እንተኾነ ብድሕሪ እዛ መዓልቲ ዘሎ ሙሉእ ታሪኽ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ። ንገለ ተቐማጦ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣቦርጂንን ፡ 26 ጥሪ ኣብ ታሪኽ ህይወቶም ዘሕዝን ፍጻመ ከም እተፈጸመ ፡ ናይ ሞትን ህየትን ፡ ወራርን ሓዘንን መዓልቲ ገይሮም ይሓስብዋ ። ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጠር ፡ እቲ ብዛዕባ ኣብ ጋዛ ውግእ ደው ንምባልን ዓሰርተታት ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ክፍነዉ ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ተገይሩ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ብውሑዱ 78 ሬሳታት ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ፡ ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ታናሲ ኮኪናኪስ ብ እንግሊዛዊ ጃክ ድራፐር ተሳዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙርያ ኣውስትራሊያ ኦፐን ክግስግስ ኣይከኣለን

Subtitle
ንሎሚ ሓሙስ 16 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ መቐለ ዝቐነየ ሰልፊ ተመዛበልቲ ቀ
Duration
00:52:42
Publishing date
2025-01-16 14:58
Link
https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast-episode/live-podcast-sbs-tigrinya-16-jan-2025/40ssokp9g
Contributors
Enclosures
https://sbs-podcast.streamguys1.com/sbs-tigrinya/20250116150852-tigrinya-16012025-fullprogram.mp3?awCollectionId=sbs-tigrinya&awGenre=News&awEpisodeId=00000194-6d3f-d62a-a5dd-fdff16ab0000&dur_cat=4
audio/mpeg